- Vuxenutbildning
- Other languages
- ነብሪ
- ሓድሽ ሕጊ sfi – ኣብ ውሽጢ 3 ዓመት ትምህርቲ ዛዝም
ሓድሽ ሕጊ sfi – ኣብ ውሽጢ 3 ዓመት ትምህርቲ ዛዝም
ካብ 1 ጥሪ 2026 ጀሚሩ፡ ሓድሽ ሕጊ sfi ተኣታትዩ ኣሎ። ብመሰረት ናይዚ፡ ዝኾነ ሰብ ኣብ ውሽጢ 3 ዓመት sfi ተማሂሩ ክዛዝም ኣለዎ።
እዚ ምቅይያራት ንዝተፈላለዩ ተመሃሮ ዝምልከት እዩ
- እቶም ቅድሚ ሕጂ sfi ዘይጀመሩ ሓደስቲ ሰባት፡ እቲ ናይ 3 ዓመት ግዜ ካብታ ትምህርቲ ዝጅምሩላ ዕለት ምቚጻር ይጅምር።
- እዚ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ግብሪ ቅድሚ ምውዓሉ sfi ዝመሃሩ ዝነበሩ ሰባት፡ እቲ ናይ 3 ዓመት ግዜ፡ ካብ 1 ጥሪ 2026 ምቚጻር ይጅምር። እቶም ኣብ ትምህርቲ ቋንቋ sfi ንወለዲ (sfi för föräldralediga) ዝሳተፉ ዝነበሩ ሰባት ጒዳዮም ከመይ ከምዝኸውን ንርእዮ ኣለና። ሓድሽ ሓበሬታ ከነስዕብ ኢና።
- እቶም ቀደም sfi ዝተማህሩ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ንጡፋት ዘይኰኑ ሰባት ብዝምልከት፡ እቲ ናይ 3 ዓመት ግዜ፡ ካብ 1 ጥሪ 2026 ምቚጻር ይጅምር። ካብ 1 ጥሪ ጀሚርና፡ ነዞም ወገናት እዚኣቶም ንምርካብ፡ ክንሰርሕ ኢና።
ምንዋሕ ናይ ትምህርቲ ግዜ
ኣብ ገለ-ገለ ኲነታት፡ ተወሳኺ ናይ ትምህርቲ ግዜ ክወሃበካ፡ ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ፡ ፍሉይ ምኽንያታት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ፍሉይ ምኽንያት፡ ከም ኣብነት፡ ሕማም፡ ኣካላዊ-ጸገማት፡ ዕረፍቲ-ወላዲ፡ ካልእ ትምህርቲ ምምሃር ወይ ውን ስራሕ፡ ክኸውን ይኽእል።
- ሕማም ወይ ጥዕናዊ ጸገም
- ዕረፍቲ-ወላዲ
- ኣካላዊ-ጸገማት
- ስራሕ
- ካልእ ትምህርቲ (ንኣብነት፡ ሞያዊ-ትምህርቲ)
- ጒድለት ምልከት ፍዴላት ወይ ዋሕዲ ትምህርቲ ዝፈጥሮ ናይ ምምሃር ጸገማት
- ዘሕልፍ ነጥቢ ንምርካብ ተወሳኺ ግዜ ምድላይ
እዚ ሓድሽ ሕግታት፡ ብዙሕ ሰብ ቀልጢፉ ቋንቋ ሽወደን ብምምሃር ስራሕ ክጅምር ወይ ውን ትምህርቱ ክቕጽል ንምግባር፡ ዝዓለመ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ኣብ ትምህርቲ ብንጥፈት ምስታፍን ዝወሃበካ ትምህርቲ ብግቡእ ምክትታልን ይሓተካ።
ቋንቋ ሽወደን ንወለዲ
እቲ ቋንቋ sfi ንወለዲ (sfi för föräldralediga) ዝበሃል ዝነበረ ትምህርቲ፡ ስሙ ናብ ቋንቋ ሽወደን ንወለዲ (Svenska för föräldralediga)፡ ተቐይሩ ኣሎ። እቲ ኣብዚ እትመሃሮ ግዜ፡ ነቲ ዝገለጽናዮ ናይ 3 ዓመት ግዜ ኣይጸልዎን እዩ።
ተወከሱና
ሕቶታት ምስዝህልወኩም፡ ንማእከል ትምህርቲ ኣባጽሕ ክትውከሱ ትኽእሉ
ኣብዚ ሕጂ እዋን sfi ትመሃር ምስእትህሉ፡ ምስ መምህርካ ወይ ናይታ ቤት-ትምህርቲ ኣማኻሪ ሞያን ትምህርትን ክትዘራረብ ትኽእል።