ሽወደናዊ ነቶም ኣብ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ዘለኩምን ኣብ ሽወደንኛ ፍጹም ሓድሽ ዝኾንኩምን ኣብ ግዜ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ትምህርቲ ቋንቋኹም ክትቅጽሉ እትደልዩን።
እብ’ዚ ቋንቋ ሽወደን ምስ ሓደ መምህርን ምስ ካልኦት ኣብ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ዘለውን ኾይንካ ኢኻ ትመሃር። ኩሎም ደቆም ሒዞም እዮም ዝመጽኡ።
ኣብ’ዚ እዚ ዝስዕብ ትወሃብ፡
- ብቋንቋ ሽወድን ምዝራብ፡ ምጽሓፍ፡ ምንባብን ምስማዕን
- ቋንቋ ሽወድን ኣብ ኣይፓድ፡ ኣብ ተለፎን ወይ ኣብ ኮምፕዩተር ልምምድ
- ብዛዕባ ቅድሚ ትምህርትን ብዛዕባ ድሕሪ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ሂወትን ምዝራብ
- ብዛዕባ ናይ ህጻናት ምዕባሌን ጥዕናን ከምኡ’ውን ኣብ ሽወደን ወለዲ ምዃን ከመይ ከምዝኾነ ምዝራብ።
ቋንቋ ሽወደን ንወጻእተኛ ንኣብ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ዘለው ኣብ ስትክሆልም ኣብ ብዙሓት ቦታት ኣሎ። ኣብ’ቲ ናይ ክፉት ቅድሚ ትምህርትታት ኣዳራሻት ኢና ንርከብ። ኣየናይ ግዜን ቦታን ከምዝሰማማዓካ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ረአ።
ቋንቋ ሽወደን ንኣብ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ዘለው ኣብ’ዚ እነሀ
- Fagersjö
- Husby
- Hägersten
- Hässelby
- Högdalen
- Rinkeby
- Rågsved
- Spånga
- Skärholmen
- Tensta
- Vällingby
ምልክት
ነቲ ፎርም ብምምላእ ኢኻ ትምዝገብ።