በዞም ዝስዕቡ ቋንቋታት ደገፍ ክንህበኩም ንኽእል
- ትግርኛ
- ዓረብ
- ዳሪ
- ሶማል
- ኡክረይን
ካብዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ቋንቋታት ካልእ ቋንቋ ትዝረቡ እንተኰይንኩም ኣስትምህሮና ብቅልል ዝበለ ቋንቋ ሽወደን ክንህበኩም ንኽእል ኢና።
ልምምድ/praktik ብደገፍ ቋንቋ ንመን ይመልከቶ፧
ብመንገዲ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም፣ ልምምድ/praktik ደገፍ ቋንቋኹም ክትገብሩ እንተኰንኩም ኣብ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም ዝተመዝገብኩም ክትኰኑ ኣለኩም።
ናብ ልምምድ/praktik ቅድሚ ምኻድኩም ኣብ ኣስትምህሮ ክትሳተፉ ኣለኩም
ናብ ልምምድ ወይ praktik ቅድሚ ምኻድኩም ኣብ ኣስትምህሮ ክትሳተፉ ኣለኩም። እዚ ኣስትምህሮ ን 5 ሰሙናት ዝካይድ ኰይኑ ንፍርቂ መዓልታት እዩ። እዚ ኣስትምህሮ ብሓደ ቋንቋኹም ዝዛረብ መምህር ወይ ኣስልጣኒ እዩ ዝካይድ። ኣብ እዋን ልምምድ/praktik ደገፍ ኣስልጣኒ ክህልወኩም እዩ።
እቲ ኣስትምህሮ ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልል
- ናይ ስራሕ ዕዳጋ ሓበሬታ ብቋንቋኹም/ቅልል ዝበለ ሽወደን
- ኣብ ሕሉፍ ተመኩረኹምን ተገዳስነትኩምን ሽቶኹምን ዝሰረተ ምዝማድ ልምምድ ወይ praktik።
- ድሕሪ ልምምድ/praktik ምስክር-ወረቐትን መወክስን
- መባእታዊ ድጂታላዊ/ከምፕዩተር ኣፍልጦ
- ዝርርብ ብቋንቋ ሽወደን
- ደገፍ ኣብ ናይ ልምምድ/praktik ቦታ
- ናይ ትምህርትን ሞያን ምኽራዊ መርሓ
- ናይ ገዛእ ርእስኹም ትካል ክትምስረቱ እንተደሊኹም ምኽርን መርሓን
ኣስትምህሮ ምስ ተዛዘመ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝኸይድ ኣብ ተገዳስነትኩምን ሽቶኹምን ዝተመርኰሰ ልምምድ/praktik ንህብ። ድሕሪ ምዝዛም ልምምድኩም ምስክር ወረቐት ከምኡ እውን መወከሲ ትረኽቡ።
ምዝገባ፣ ሓደ ሰሙን ቅድሚ ምጅማር ኣስትምህሮ በዚ ዝስዕብ ናይ ኢመይል ኣድራሻና ይካየድ
ወይ ከኣ ብቑጽሪ ስልኪ
ወይ ድማ ብቁጽሪ ተሌፎን ደውሉልና፤ 08-508 870 41 ወይ 08-508 357 98