ቋሽንወ፡ ቋንቋ ሽወደን ንወጻእተኛ
ንስኻ መባእታዊ ቋንቋ ሽወደን ክትመሃር ዘድልየካ ከምኡ’ውን 16 ዕድመ ወይ ልዕሊኡ ዘለካ ኣብ ከተማ ስትክሆልም ምዝጉብ ኾይንካ ቋንቋ ሽወደን ንወጻእተኛ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ።
ናይ ቀትርን ናይ ምሸትን ኣስተምህሮ ዘለወን፣ ብዙሓት ናይ ቋንቋ ሽወደን ንወጻእተኛ ቤት ትምህርትታት ኣለዋና።
ቋንቋ ሽወደን ንወጻእተኛ ንኣብ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ዘለው
ቋንቋ ሽውደን ንወጻእተኛ ንኣብ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ዘለው ኣብ ከባቢ ከተማ ዝርከባ ክፉታት ቅድሚ ትምህርትታት ዝወሃብ ናይ ሽወደን ኮርስ ኮይኑ ንዓበይቲ ኣብ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ዘለው ምስ ህጻናት ብሓባር ዝቕበሉ እዮ።
ቋንቋ ሽወደን ንወጻእተኛ ንኣብ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ዘለው
ቋንቋ ሽወደን ንወጻእተኛ ጽንብር
ሓደ ናይ ሞያ ትምህርቲ ኣብ ናይ ካልኣይ ደረጃ እንዳተማሃርካ ቋንቋ ሽወደን ተመሃር።
አስአፍኤክስ/ቋንቋ ንናይ ሞያ ትህምርቲ ዘለዎም
እንድሕር ናይ ሓደ ሞያ ተመክሮ ወይ ሓደ ናይ ሞያ ትምህርቲ ናይ ሃገርካ ኣልዩካ ናብ ናይ ሞያ ምሁራት ቋንቋ ሽወደን ነወጻእተኛታት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።
ናይ ቋንቋ ደገፍ ዘለዎ ናይ ስራሕ ልምምድ ግበር
ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ቦታ ልምምድ ንኽትረክብ ንሕግዘካ ከምኡ’ውን ኣብ ምሉእ ናይ ስራሕ ልምምድ እዋን ብቋንቋ ኣዴኻ ደገፍ ንህበካ።
ናይ ኮሙን ቤት ትምህርቲ ንዓበይቲ ኣብ መሰረታዊ ደረጃ
መሰረታዊ ናይ ኮሙን ቤት ትምህርቲ ንዓበይቲ ንዓኻ ምሉእ ናይ መባእታዊ ትምህርቲ ምስክር ወረቐት ዘይብልካ ወይ ሓደ ሓጺር ትምህርቲ ናይ ካልእ ሃገር ንዘለዎ እዩ። ክሳብ እታ 20 ዓመት ዕድመ ትመልኣላ ወርሒ ሓምለ ምሳና ክትመሃር ትኽእል ኢኻ።
ናይ ኮሙን ቤት ትምህርቲ ንዓበይቲ ብደረጃ ካልኣይ ደረጃ
ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዲፕሎማ ክትወስድ ትኽእል ኢኽ፡ ተፈጥሮኣዊ ሳይንስ መሰረታዊ ዓመት ክትመሃር፡ ናይ ዩኒቨርሲት፡ ኮለጅ ወይ ናይ ሞያ ትምህርቲ መእተዊ ብቕዓት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዞም ኮርሳት እዚኣቶም ቋንቋ ሽወደን ብመሰረታዊ ደረጃ ተማሂርካ ክትከውን ይጠልቡ።
ናይ ሞያ ትምህርቲ ብደረጃ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ
ኣብ ውሽጢ ናይ ኮሙን ቤት ትምህርቲ ንዓበይቲ ኣብ ስቶክሆልም፡ ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ሞያ ዓውድታት ዝተኣሳሰሩ ብዙሓት ናይ ሞያ ትምህርትታት ኣለው። እቶም ኮርሳት መሰረታዊ ደረጃ ቋንቋ ሽወደን ተማሂርካ ክትክውን ይጠልቡ።
ዝተመጣጠነ ትምህርቲ
ናይ ኮሙን ቤት ቤትትምህርቲ ዓበይቲ ከምዝተመጣጠነ ትምህርቲ ንናይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ስክንልና ወይ ናይ ሓንጎል ጉድኣት ዘጋጠሞም ንዓበይቲ ሰባት ዝዓለመ እዩ።
ደገፍ ኣብ ቅድሚ ከምኡ’ውን ኣብ እዋን ትምህርትታትካ
ትምህርትታትካ ምምዳብ
ኣብ ማእከል ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ናይ ትምህርትን-ሞያን ተሓጋገዝቲ ኣለው፡
- ምስ ዕላማኻ ዝሰማማዕ ሓደ ናይ ውልቃዊ መደብ ምፍጣር
- ንዓካ ዝምጥን ትምህርቲ ምምራጽ
- ምእንቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ ምሉእ ዲፕሎማ ክትረክብ ክትክእል ኮርሳትካ ምምዳብ
መመልከቲ
ብመንገዲ ኤለትሮኒካዊ-ኣገልግሎት ኢኻ ተመልክት
ናይ ደረጃ መርመራ
ምእንቲ ኣብ ኣየናይ ኮርስ ናይ ቋንቋ ሽወደን፡ ቋንቋን ሽወደን ከም ካልኣይ ቋንቋ፡ ኣንግሊዝኛ ወይ ቁጽሪ ክትመርጽ ንኽትፈልጥ ናይ ደረጃ መርመራ ክትገብር ከድልየካ ይኽእል እዩ።
ናይ ትምህርቲ ቁጠባ
ኩሉ ናይ ኮሙን ቤት ትምህርቲ ንዓበይቲ ካብ ክፍሊት ናጻ እዩ። ዋላ እውን እቲ ትምህርቲ ብናጻ ይኹን እምበር ንመጻሕፍቲ፡ ቅዳሓትን ካልእ መጽናዕታዊ ናውትን ግን ባዕልኻ ክትከፍል ትግደድ ኢኻ። ናይ ትምህርቲ ረዲኤትን ለቓሕ ካብ ማእከል ናይ ትምህርቲ ቦርድ/ሰኤሰን መሰል ኣለካ።